ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥርጡር ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ተታሒዙ


ኪዳነ ዘካርያስ
ኪዳነ ዘካርያስ

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ንግዳያት ብዝፍጽሞ ግፍዒን ዘይሕጋዊ ምኽዕባት ገንዘብን ክደለ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ብፖሊስ ኔዘርላንድስ ክህደን ድሕሪ ምጽናሑ፡ 1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን ተታሒዙ። ምትሓዝ እዚ ኣብ መዝገብ ኣዝዮም ተሃደንቲ ውልቀ-ሰባት ዝጸንሐ ሰብ፡ ውሁድ ሓይሊ ኢንተርፖል ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ወግዓዊ ገይሩ።

ብመሰረት መግለጺ ልፍታዊ ፖሊስ ኢንተርፖል፡ ብሓያሎ ክስታት ክደለ ዝጸንሐ ኪዳነ ዘካርያስ ብምትሕብባር ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ጸጥታ ሱዳንን ፖሊስ ኔዘርላንድስን’ዩ ተታሒዙ።

ብጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ደቂቕ ክትትል ምጽናሑ ዝተሓበረ ጥርጡር፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓዉ ብዝገብሮ ዝነበረ ምስግጋር ገንዘብን ርክባትን’ዩ ኣብ ሱዳን ምጽናሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ጥርጡር ንፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተረከበ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ 2021፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሓበሬታ ገለ ግዳያቱ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ተታሒዙ ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ኣብ እዋኑ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ኣምሊጡ ከም ዝሃደመ ይዝከር። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እትከታተል ዝነበረትን ዘላን ኤርትራዊት ሽወደናዊት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ እዋኑ 10 ሚልዮን ብር፡ ንሓለዋ ፖሊስ ጉቦ ከፊሉ ክሃድም ከም ዝኸኣለ ትሕብር።

ኮማንደር ፖሊስ ኢንተርፖል ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ ምህዳሙ፡ ኪዳነ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ብዛዕባ ፍርዲ እቶም ኣብ ምምላጡ ዝተሳተፉ ብጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተትሉ፡ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መስርሕ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኪዳነ ዘካርያስ ካብ ማእሰርቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላጡ፡ ብዙሓት ግዳያቱ ኣብ ኔዘርላንድስ ብዝመስረቱሉ ክሲ ብጸጥታ እታ ሃገር ክደለ ጸኒሑ’ዩ። ካብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ መዝገብ ኣዝዮም ተደለይቲ ገበነኛታት ኔዘርላንድስ ዝጸንሐ ኪዳነ፡ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ንዝሃበ ውልቀ-ሰብ ከም ዓስቢ 20-ሽሕ ዩሮ ክኸፍል ምዃኑ ኣብ ወግዓዊ መርበባቱ ኣስፊሩ ነይሩ። ከም ሓበሬታ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኪዳነ፡ እቲ እንኮ ኣብ መዝገብ ተደለይቲ ኣሰጋገርቲ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዘ-ሄግ ዝነበረ’ዩ።

ውሁድ ሓይሊ ኢንተርፖል ሎሚ ኣብ ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኪዳነ ብዝተፈላለያ ሃገራት ክድለ ስለ ዝጸንሐ፡ ጉዳዩ ብኣብያተ-ፍርዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብምስግጋር ገንዘብ፡ ፈለማ ክሲ ምስ ተመስረተሉ፡ ከምኡ’ውን ጉዳዩ ኣብ ኔዘርላንድስን ኢትዮጵያን’ውን ክምርመር ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ምትሓዝ ኪዳነ ዘካርያስ መሪሕ ግደ ዝተጻወተ ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ስርሒት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ውን ተመሳሳሊ መርበብ ኣሰጋገርቲ ክጠልፍ ምትእምማን ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG