ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ምሁራት ኣብ ጉዳይ`ቲ ኣብ ኮንግረስ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክሲን ፍርድን ፕረዚደንት ትራምፕ


ጠበቓ ሕጊ ኢሳያስ ገብረኪዳንን(ጸጋም) ኣቶ ግርማይ ቦኽረ(የማን)
ጠበቓ ሕጊ ኢሳያስ ገብረኪዳንን(ጸጋም) ኣቶ ግርማይ ቦኽረ(የማን)

እቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ጸዲቑ ንወሳኒ ፍርዲ ናብ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ(ሰነት) ቀሪቡ ዘሎ ጉዳይ ክሲ ካብ መዝነት ምውራድ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሎሚ ክዛዘም`ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ከምኡ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሪፓብሊካን ስለዝኾነ፡ ኣብ ሰነት ዘለዉ ዝበዝሑ ድማ ሪፓብሊካን ስለዝኾኑ፡ ነቲ ብደሞክራት ዝምጎት ዘሎ ክሲ ምውራድ ስልጣን ውዱቕ ክገብርዎ ይኽእሉ`ዮም ብዝብል`ዩ።

ይኹን`ምበር ይብሉ ኣብ`ዚ መደብ ዝቐረቡ ኣጋይሽ ጠበቓ ሕጊ ኢሳያስ ገብረኪዳንን ነቲ መስርሕ ብቀረባ ዝከታተል ምሁር ኣቶ ግርማይ ቦኽረን፡ ውጽኢት ናይ`ቲ መስርሕ ኣብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ`ዩ ይብሉ።

ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኢሳያስ ገብረኪዳን ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ከምኡ ድማ ኤርትራዊ ኣቶ ግርማይ ቦኽረ ካብ ቦስተን ማሳቹሰትስ፡ እቲ መስርሕ ክሲ ምውራድ ስልጣን ፕረዚደንት፡ ንኻልኦት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ሰማዕቲ ዝህቦ ትምህርቲ`ውን ኣልዒሎም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG