ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ኣካየድቲ ስራሕ ክታበት ምብራቕን ደቡባዊ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ


ኣኼባ ኣካየድቲ ክታበት ምብራቕን ደቡብን ሃገራት ኣፍሪቃ ሎሚ 18 መጋቢት/2019 ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ።

ኣብዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን (ዩኒሴፍ)ን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝተመወለን ንስለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤ/ጽ ወከልትን ሓለፍትን፡ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ዲፕሎማት፡ካብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኣካየድቲ ስራሕ ክታበት ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ 16 ወከልቲ መሻርኽትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ኣኼባ ፡ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ናይ ስራሕ ተመክሮ ንምልውዋጥን ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ብምግባር ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዝትግበሩ መደባት ንምሕንጻጽ ከምዝኾነ ሓደ ካብቶም ኣወሃሃድት ናይቲ ኣኼባ ዝኾነ ሓላፊ መደብ ሸፈነ ክታበት ኤርትራ ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG