ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርግሓ ኤች ኣይ ቪ ሎሚ ዓመት'ውን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ


ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ እኩል ትኩረት ክግበረሉ ብዘይምክኣሉ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እናወሰከ ከምዝመፅአ ሓላፊ ኦሳ ትግራይ ኣይተ ይርጋ ገብረእዝጋብሄር ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተገምጊሙ ኩነታት መወሰኪኡ ዝተፈለጠ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኣብዚ ዓመት’ከ ይንኪ’ዶ ይውስክ? ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“ ኣብ ሃገርና ኩነታት ሰላም ፅቡቅ ኣይኮነን ዘሎ። ህዝቢ በብግዝኡ ይፋናቀል ኣሎ። ምፍንቃል ኣብ ዘለዎ ኩነታት ኮይንካ ኤች ኣይ ቪ ይንኪ ኣሎ ምባል ኣይከኣልን። ምፍንቃል ብፍላይ ንህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ተወሳኪ ፀገም እዩ። ብዘይካ እዚ ንምስፋሕ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ምክንያት ዝኮኑ ነገራት እንክትርኢ ይውስክ እምበር ኣይንክን ዘሎ። ኣብነት ፋብሪካታት መስተ ይበዝሓ ኣለዋ። ሰታዪ ይበዝሕ ኣሎ። ኣብ መስተ ዝሓልፍ ግዜ ይበዝሕ ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት ኮይንካ ኤችኣይቪ ኤይድስ ክንኪ ምፅባይ ኣይከኣልን።”

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርግሓ ኤች ኣይ ቪ ሎሚ ዓመት'ውን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:38 0:00

ብኣንፃሩ ኣብ ፈቀዶ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ክለባት ኤችኣይቪ ብተግባር ዘንቀሳቀሱ የለዉን፡ ኣብ ወረዳታት ዝነበራ ክለባት የለዋን። ሚድያታት ክልልና ግዜ፣ዓምዲ ሂበን ብትኩረት ዝሰርሓሉ ዝነበራ ሎሚ የለን። ስለዚ እቶም ንምግዳድ ምክንያት ዝኮኑ እንትበዝሑ እቶም ንምንካይ ሓገዝቲ ዝኮኑ ስራሕቲ ድማ እንክጠፍኡ ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ ክውስክ ግድን እዩ።

ኣይተ ይርጋ ብመሰረት እዚ እቲ ብደረጃ ሃገር ካብ ዝተገለፀ ቁፅሪ ምስፋሕ ኣብ ክልልና ዝዓበየ እዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG