ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣብ ሱዳን ይካየድ ናይ ዘሎ ተቓውሞ ናይ ባዕሎም ስቪላዊ ቤት ምኽሪ ከምዝምስርቱ ኣፍሊጦም


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ናብቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል ሱዳን ናብ ዝርከብ ተቓውሞ ተሓዊሶምዎም ኣለው።ቀንዲ ኣተሓባባሪ ናይቲ ተቓውሞ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን /SPA/ ንወታደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝትክእ ስቪላዊ ቤት ምኽሪ ክምስረት እየ ኢሉ’ሎ።

እቲ ማሕበር ሰብሞያ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣሽማት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምትእኽኻብ ምጅማሩ ናይ ፅሑፍ መግለጺ ኣውፂኡ'ሎ፤ንሕፁያት ድማ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ወግዓዊ ክገብር እየ ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ስቪላዊ ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪ ከምዝጣየሽን ካብቲ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ 40 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ገሊፁ’ሎ።

ኣሜሪካ ንሕቶታት ሰልፈኛታት ብምድጋፍ እቲ ወታደራዊ መንግስቲ ድሕር ኢሉ ብስቪላት ዝመራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ከፈቅድ ትማሊ ሓሙፅ ፀዊዓ’ላ።

XS
SM
MD
LG