ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበሩ ኣብዲ ኢለ ዝርከብዎም 4 ሰበ ስልጣናት ናብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ናይ ሶማሊያ ክልል ፕረዚደንት ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ሓዊሱ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልል ብቕትለትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገበናትን ተጠርጢሮም ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ረቡዕ ዝቐረቡ ሰበስልጣናትን ፕረዚደንት ክልል ሶማሊያ ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፣ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወ/ሮ ራሕማ መሓመድ፣ተወካሊ ዳያስፖራ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣሚንን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት መስኖ ኣቶ ሱልጣን መሓመድን እዮም።

መንግስቲ ንናይቲ ክልል ልምዓት ዝመደቦ ገንዘብ ንዘየድሊ ብምውዓል፣ንናይቲ ክልል መናእሰይ ብምውዳብ ንብዙሓት ዓመታት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ብሃይማኖትን ዓሌትን ብምክፍፋል ሰባት ካብቲ ከባቢ ብምዝንባል ብርክት ዝበሉ ሰባት ክቕተሉ ገይሮም ክብል ፖሊስ ጥርጡራት ፈፂሞምዎ ንዝበሎ ተግባራት ገበን ዘርዚሩ።ኣብያተ ንግዲ፣ትካላት ሃይማኖት ብምቅፃል ብዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሮም ኣለው።

ፖሊስ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ሓቲቱ’ሎ።ኩሎም ጥርጡራት መሰል ዋሕስ ክሕለወሎም ሓቲቶም፤ፖሊስ ዝተጠርጠርሉ ቕትለት እዩ ክብል ተቓዊሙዎ’ሎ።

ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ንፅባሕ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG