ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ጀርመን መንግስቲ ንምዕላው ፈቲኖም ዝበሎም 25 ጥርጡራት ቀዪዱ


ኣሽሓት ኣባላት ፖሊስ ጀርመን፡ መንግስቲ ንምዕላው መደብ ሒዞም ዝበሎም ጥርጡራት ኣኽረርቲ ንምህዳን ሎሚ ረቡዕ ተዋፊሮም ከም ዘርፈዱ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

በቲ ዝተኻየደ ሰፊሕ ወፍሪ 25 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ፡ ሰለስተ ሽሕ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ 11 ኣውራጃታት እታ ሃገር ጥርጡራት ንምህዳን ተዋፊሮም ውዒሎም። እቶም “ምንቅስቓስ ዜጋታት ሪክ” ዝብል ስም ዘለዎም ርሑቕ የማናውያን ኣባላት፡ ንድሕሪ ኲናት ጀርመን ዝተተግበረ ሃገራዊ ቅዋም ዘይኣምኑ ኰይኖም ንመንግስቲ ብዕልዋ ንምውዳቕ ዝሕልኑ’ዮም። ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ነቲ ዘካየዶ ስርሒት “ኣባላት ግብረ-ሽበራ ንምህዳን ዝዓለመ” ክብል ሰይሙዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG