ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መጥቓዕቲታት ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ትካላት ዝተሓሓዝ 90 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲራል ራምፖሳ ኣብ ከተማታት ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ትካላት ዝካየድ ዘሎ መጥቓዕቲታትን ዝምታን ኮኒኖም።

ንሶም ብቪድዮ ዝቐረበ ዝሃብዎ መግለጺ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ መጥቓዕቲ ከምዘይትቕበሎ ሓቢሮም።

እቲ ጎነጽ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ከተማታት ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ብምውጻእ ኣስታት 90 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ገሊጾም ኣለው።

ብዙሓት መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቅ ዝነብሩ ዜጋታቶም ደሕንነቶም ክሕልው ብምጥንቃቕ ነዚ ተደጋጋሚ ተርእዮ ኮኒኖም ኣለው።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ “ሰላም ክሳብ ዝምለስ” ዜጋታት ትካላቶም ክዓጽው ምሕባሩ መሓውራት ዜና’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትሪ መጉዓዝያን ኮሚኒኬሽን ዛምብያ ብወገኑ ናብታ ሃገር ዝጉዓዙ ተሽከርከርቲ ደው ክብሉ ኣዚዙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG