ዋሽንግተን —
ፖሊስ ሃገረ ዛምቢያ፡ ናይ ኢትዮጵያዊያን ምዃኖም ምልክት ረኺበሎም ዝበሎም ሬሳ 27 ዜጋታት ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ተደርብዩ ምርካቡ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቶም ዜጋታት ብጥሜትን ካልእ ጎንጺን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይጥቀስ።
ካብቶም ተደርብዮም ዝተረኽቡ ሓደ ዜጋ ብህይወት ስለ ዝጸንሐ ናብ ሆስፒታል ምምራሑ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር። እቶም ዝተረፉ ግን ጠንቂ ሞቶም ንምፍላጥ ምርመራ ክግበረሎም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ።
ምዉታን ካብ 20 ክሳብ 38 ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ ኵላቶም ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። መን ናብቲ ዝተረኽቡሉ ቦታ ከም ዝደርበዮም ፖሊስ ምጽራይ ይገብር ከም ዘሎ ሮይተርስ ይሕብር።
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ብዛምቢያ ኣቢሎም ከም ዝኸዱ ይፍለጥ።