ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብዋሕስ ክፍትሑ ኣዚዙ


ብላዕለይዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝተወሰነ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ግብሪ ዘየውዓሎ መሰል ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው: ፖሊስ ኮምሽን ክልል ኦሮሚያ ክፍጸም ብምእዛዝ ሎሚ ሓሙስ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ወሲኑ'ሎ።

ኣቶ ልደቱ ብ100,000 ብር ዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ግብሪ ዘየውዐለሉ ምኽንያት መብርሂ ክህብ ቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ትእዛዝ እንተሃበ'ውን እቲ ኣዛዚ ፖሊስ የለን ዝበሉ ምኽትል ኣዛዚን ሓላፊ ምፅራይ ገበንን ን9 ጥቅምቲ መብርሂ ክህቡን ኣቶ ልደቱ ድማ መሰል ዋሕሶም ከረጋግፀሎምን እቲ ቤት ፍርዲ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ትእዛዝ ብምሃብ ን9 ጥቅምቲ 2013 ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ኦሮሚያ ጨንፈር ኣዳማ ኣቶ ልደቱ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ ብምድላውን \ለውጡ ከድጡ ወደ ማጡ\ ‘’እቲ ለውጢ ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ’’ ዝብል ኣርእስቲ ብኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ብምፅሓፍ ዝተኸሰስሉ መዝገብ ነቲ ክሲ ብንባብ ንምስማዕ ንፅባሕ ዓርቢ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG