ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኬንያ ዝኣተው 13 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ኣፍሊጡ


እቶም ሰባት ኪሪኛጋ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ናብ ናይሮቢ ይጉዓዙ ኣብዝነበርሉ እዋን ብፖሊስ ምትሓዞም ተፈሊጡ’ሎ።እቶም ስደተኛታት ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ክኾኑ ከለው ዕድሚኦም ድማ ካብ 14 ክሳብ 24 ዓመት ምዃኖምን ምስቶም ኢትዮጵያዊያን 13 ኪሎ ግራም ሓሺሽ ከምዝተሓዘን ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም 13 ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ዓርቢ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እንተነበሩ’ዃ፤ኣስተርጓሚ ስለዝተስኣነ ውሳነ ከምዘይተዋህበ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG