ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎትን ጥሕሰት መሰላትን ንምቕዋም ንዝወጹ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ተገሊጹ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኬንያዊያን ትማሊ ሶሉስ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ናይሮቢ ብምውጻእ ኣንጻር ጎነጻዊ ስጉምቲታት ፖሊስን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

ሰልፈኛታት ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንምብጻሕ ኣብ ዝፈተንሉ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ሰልፈኛታት ምብታኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ዝኽሪ 30 ዓመት ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ብዙሕነት ፓርቲታት ዝጠልብ ሰልፊ: ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንቁጠባዊን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጠልብ ሰልፊ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ አካይዶም።

መብዛሕትኦም ሰልፈኛታት ካብ ትሑት አታዊ ዘለዎ ከባቢታት’ታ ሃገር ዝመጹ ኾይኖም መንግስቲ ንመሰረታዊ መሰላቶም ንመሰል ምንባር ሓዊሱ ይግህስ ከምዘሎ ይገልጹ።

ሓደ ካብቶም ነቲ ዝተአኻኸበ ፊርማ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከብጽሑ ዝተመዘዙ ጆርጅ ሙህያ እቲ ሰነድ ገለ ካብቲ ዝተሰነደ ግህሰታት ዝሓዘ’ዩ ክብል የረድእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምጥፋእ ሃለዋት ዜጋታት ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ 15 ሰባት ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይፍለጥ ይሕብር።

‘ዝጠፍኡ ድምጽታት’ ብዝብል ዝጽዋዕ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ካብ መጀመርያ ዓመተ 2020 ጀሚሩ ኣስታት 100 ብፖሊስ ዝተፈጸሙ መቕተልታት ምምዝጋቡ ይሕብር።

ሙህያ ብተወሳኺ ቁጠባዊ ኩነታት’ታ ሃገር ካብ ትሑት አታዊ ዝመጹ ዜጋታት እኹል ዝኾነ ኣገልግሎት ትምህርቲን ዕድል ስራሕን ዝህብ ኣይኮነን ይብል።

ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ኣስታት 50 ካብ ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተፈሊጡ’ሎ።

ሰልፈኛታት ዘተአኻኸብዎ ፍርማ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከረክቡ ከምዘይከአሉ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG