ዋሽንግተን —
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ፅዕነት መካይን ንእገዳታት ቫይረስኮሮና ብምቅዋም ትማሊ ሓሙስ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ኦታዋ ዳግም ተመሊሰን።ፖሊስ ስጉምቲ ከምዝወስድ መጠንቀቕታ እንተሃበ እውን ጥሩምባ ወይ ክላክስ ብምስማዕ ተቓውምኦም ኣስሚዖም ኣለው።
ኣብ መንጎ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይንን ፖሊስን ንሰለስተ ሰሙን ዝፀንሐ ምፍጣጥ ተጋዲዱ: ሰልፈኛታት ንጎደናታትን ህንፃ ፓርላማን ዓፅዮምዎ ኣለው።
ፖሊስ ካናዳ ኣብ ዙርያ ፓርላማ ካብ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ትማሊ ሓሙስ ሰለስተ ኣብ ቀይዲ ምእታው ተፈሊጡ'ሎ።ፖሊስ እቶም ዘወርቲ መካይን ነናብ ገገዝኦም ክምለሱ ምልዛቡ ኣብ ዝቐፀለሉ ካልኦት ሰባት ናብቲ ተቓውሞ ከይፅንበሩ ንምኽልካል ንመብዛሕቲኦም ከባቢታት ማእኸል ከተማ ከምዝዓፀዎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰልፈኛታት ኣብ መንበሪ ከባቢታት ናይ መኪና ጥሩንባ ከየስምዑ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ትእዛዝ ክጥሕሱ ውዒሎም ኣለው።
ተቓውሞ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ካናዳ ኣብ ፈረንሳ:ኒው ዚላንድን ኔዜራላንድስን ተመሳሳሊ ምልዕዓላት ከምዝፈጠረ ይፍለጥ።