ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ካመሮን ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ'ታ ሃገር ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ስታድየም የውፍር


ኦሌምበ ስታድየም ካመሩን
ኦሌምበ ስታድየም ካመሩን

ናይ ሎሚ መዓልቲ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጋንታታት ካሜሩንን ግብጽን ቅድሚ ምጅማሩ፣ ፖሊስ ካሜሩን ኣሻሓት ሰራዊት ኣብ ዙርያ ስታድየም ኦለምቤ ኣዋፊሩ።

እዚ ብሰንኪ ዝሓለፈ ቅነ ዘጋጥመ ሓደጋ ጽቅጥቅጥን ሞት ሸሞንተ ሰባትን እዩ።

ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ድሕሪ ምክያዱ፣ ስታድየም ኦለምቤ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግጥማት ኣብ ምትእንጋድ ይርከብ።

70 ሽሕ ህዝቢ ንግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጋንታታት ዘይዳነዩ ኣናብስ ዝባሃሉ ካሜሩናዊያንን ፈርኦናዊያን ዝባሃሉ ግብጻውያን፣ ንክከታተሉ ናብ’ቲ ስታድየም ንክኣትው ድልየት ከምዘለዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

3000 ደገፍቲ ግብጺ ክኾኑ ከለው፣ እቶም ዝተረፉ 67 ሽሕ ድማ ደገፍቲ ጋንታ ካሜሩን እዮም።

XS
SM
MD
LG