ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብፅሕ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ነታጒ ምርኻቡ ኣፍሊጡ


ከተማ ኣክሱም
ከተማ ኣክሱም

ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብፅሕ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ነታጒ ምርኻቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ነታጒ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ሓደ ሆቴል እታ ከተማ ከምዝተረኽበ ምኳኑ ፖሊስ ወሲኹ አረዲኡ’ሎ።

እቲ ሆቴል መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣኼባታት ተደጋጋሚ ዝካየደሉ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።ፖሊስ እታ ከተማ እቲ ነታጒ ናይ ኢድን ፀረ ሰብን ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ዋና ኢንስፔክተር ኣሸብር ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ነታጒ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ሓደጋ ከብፅሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ እዩ ኢሎም።

ንሶም ብቕጻል እቲ ነታጒ ዝተረኽበሉ ክፍሊ’ቲ ሆቴል ዝሓዘ ውልቀሰብ ከምዝተረኸበን ምርመራ ይካየድ ምህላው ገሊጾም።ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ነቲ ነታጒ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ምትሕግጋዙ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

ንከይዲ ምፅራይ ከይተዓናቐፍ ብምባል መንነት እቲ ተጠርጣሪን ሽም እቲ ዝተረኸበሉ ሆቴልን ካብ ምግላፅ ዝተቖጠቡ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ብቐፃሊ ግና ከይዲ ብምፅራይ ንህዝቢ ክግለፅ ምኻኑ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG