ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኣብ ዶብ ካናዳን ኣመሪካ ዝርከብ ድልድል ዝነበሩ ሰልፈኛታት ምውሳዱን ምእሳሩን ተገሊጹ


ሰልፈኛታት ኣብ ፒስ ድልድል ቡፋሎ ኣመሪካ
ሰልፈኛታት ኣብ ፒስ ድልድል ቡፋሎ ኣመሪካ

ፖሊስ ካናዳ ኣብቲ ፃዕቒ ስራሕ ዘለዎ መሰጋገሪ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን ተረፎም ዝነበሩ ተቓወምቲ እገዳታት ቫይረስኮሮና ትማሊ ሰንበት ካብቲ ቦታ ብምልዓል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።ንእቲ ሰልፊ ቁጠባ ክልቲአን ሃገራት ዝሃሰየ ፀረ እገዳታት ኮቪድ 19 እዩ ነይሩ።

ፖሊስ ከተማ ዊንድሶር ድትሮይድ ምስ ናይ ካናዳ ናይ መኪና ፋብሪካ ኣብ ዘራኽብ ኣማባሳደር ዝጽዋዕ ድልድል ንዝነበሩ ሰልፈኛታት ትማሊ ሰንበት ምእሳሩን ንመካይን እውን ፅዒኑ ከምዝወሰደን ገሊፁ ኣሎ። ወነንቲ ናይ ንግዲ ትካላት ካብ ትካሎም ክርሕቑሎም ነቶም ሰልፈኛታት ይሓቱዎም ነይሮም።

ናይቲ ለበዳ እገዳታት ኣብ ኣመሪካ ካብ ናይ ካናዳ ብዝበለፀ ጥቡቕ እዩ።መብዛሕቲኦም ካናዳዊያን ክታበት ዝወሰዱ እዮም በዝሒ ሞት ኮቪድ 19 ድማ ካብ ናይ ኣሜሪካ ብሲሶ ዝወሓደ እዩ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ፈረንሳ፣ኔዘርላንድስ:ስዊዘርላንድን ኣውስትራሊያን ሓዊሱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ይካየድ ኣሎ።ኣብ ኣመሪካ ድማ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ተቓውሞ ንምክያድ ኣብ ምዝርራብ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG