ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ ምስ ዝተፈጥረ ዕግርግር ሓደ ተጠርጣሪ ሒዘ ይብል ፈለጥቱ ግን ምስቲ ዕግርግር ርክብ ዘይብሉ ነጋዳይ እዩ ይብሉ


ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ብሄር ተኮር ግጭት ተማሃሮ ብምቅዋም ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ትማሊ ሶኑይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።ብሄር መሰረት ገይሩ ዝካየድ ግጭት ብእዋኑ ክእረም ኣለዎ እውን ኢሎም።

ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ዶ/ር ታደሰ ቀንኣ ናይ ኩሎም ተማሃሮ ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ወፂኦም ንዓና ኣይገልፀናን ክብሉ ምቅዋሞ ዝምስገን እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ግጭት እውን ብሰላም ከምዝተፈትሐ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨስርቲ ኣሶሳ ህይወት ሰለሰተ ሰባት ምስ ዘጥፍአ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ንሓደ ተጠርጣሪ ምሓዙ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሰይፈዲን ሃሩን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓለ ብሓይሊ ምዃኑን ብምግላፅ ድሕሪኡ ብዝተኻየደ ፍተሻ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ተረኺቡ’ሎ ኢሎም።

‘’10 ናይ ባንኪ ቼካት፤ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ደብተር ሒሳብ ባንክታት፣ትሽዓተ ዲስክቶፕ ኮሚፒተራት፣ሓደ ላፕቶፕ፣ክልተ ፍላሽ፣16 ሲዲ፣ሕዚ ክንገልፆም ዘይንደሊ ካልኦት ዝጥርጠሩ ነገራት እውን ተታሒዞም ኣለው’’ኢሎም።

ፖሊስ ብጥርጣረ ሒዘዮ እየ ዝበሎ ሰብ ኣብ ኣሶሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ማለት እውን ኣብ ኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ምክራይ መኻይንን ናይ ኢንተርኔት ካፌን ይሰርሕ ዝነበረ ገሬ ወዲ ሴሮ ዝተብሃለ ነጋዳይ እዩ ዝበለ ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለን ዓርኩ ንገሬን እቲ ዝቐረበ ክሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ክብል ይገልፅ።ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለሉ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምዃኑን ሕዚ እውን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ይገልፅ።

ናይቲ ክልል ፖሊስ ዝሃቦ መግለፂ እውን ፖሊስ ናይ ገዛእ ርእሱ ፀገም ንምሽፋን ዘውፅኦ እዩ ይብል ብምውሳኽ።

ገሬ ኣብቲ ከባቢ ብንግዲ ዝመሓደን ዘትርፍን ኢንቨስተር ብምዃኑ እቲ ሰላም ካብኡ ንላዕሊ ዝደልዮ ከምዘየለ ዝገለፀ ንሱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ እውን ኣሽንኳይዶ ሰላም ክዝረግ ኣብ ቀረባ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ንምቕራብ ጨረታ ስዒሩ ውዕል ንምፍርራም ናብቲ ዩኒቨርስቲ ይመላለስ ከምዝነበረ አረጋጊጹ ይዛረብ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:42 0:00

ዓርኪ ገሬ እየ ዝበለና ምሉእ ቃለ ምልልስ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ’ሎ።ገሬ ወዲ ሴሮ መዓዝ ከምዝተኣሰረ፣ከመይ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዓለ፣ከመይ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ፖሊስ ወፂኡ ኣብ ናይ ንግዲ ትካሉ ኣትዩ ንፖሊስ ኢደይ ኣይህብን ከምዝበለ፣ኣብቲ ዕለት ኣብ ንብረት ተጋሩ ዝወረደ ዕንወትን ካልኦትን ዝርዝር ሓበሬታ ሂብና’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:56 0:00

XS
SM
MD
LG