ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይሰርሑ’ዮም ብዝብል ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ግብጻዊያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ


ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይሰርሑ’ዮም ብዝብል ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ግብጻዊያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ

ፖሊስ ኢጣልያ ብቐዳም 264 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ወደብ ፓዘሎ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይነጥፉ’ዮም ብምባል ንዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ግብጻዊያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጹ።

ፖሊስ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ እቶም ስደተኛታት ነቶም ኣስገርቲ መን ምኳኖም ንፖሊስ ከምዝሓበሩን ነፍሲ ወከፎም 1,500 ዩሮ ከፊሎም ከምዝመጹ ሓቢሩ’ሎ።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ጽዒኖም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ጀላቡ ኢጣልያ ከይበጽሑ ብስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝርከቡ እንተኾነ ሓሓሊፎም ግን ናብ ወደባት ኢጣልያ ምብጻሕ ከምዝኽእሉ ዝገለጹ ፖሊስ ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ከይፍጽማ ድሕሪ ምክልካላ ቁጽሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG