ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኢትዮጵያ ንቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ  ምእሳሩ ተገሊጹ


ቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ 
ቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ 

ፖሊስ ኢትዮጵያ ቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ።ንሱ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኣሰረ ክኸውን ከሎ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ ስድርኡ ሓቢሮም ኣለው። ክሳብ ሕጂ’ውን ዝቐረበሉ ክሲ ከምዘየለን ምክንያት መእሰሪ ኡ ንስድራ ቤቱ ከምዘይተሓበሮም ይገልጹ። ሮይተርስ ካብ ፖሊስ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ መልሲ ኣይረኸበን።

ኩመራ ከም ፍሪላንስ ቐራፂ ካሜራ ንሮይተርስ ን10 ዓመታት ዝሰርሐ እዩ።ሮይተርስ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ኩመራ ማእሰርቲ ብምኹናን እዚ ማእሰርቲ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ኣቐዲሙ ንካልእ ናይ ሮይተርስ ሰኣላይ ቲክሳ ነገሪ ብኽልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ 1 ታሕሳስ ምቕጥቓጡስዒቡ እዩ።

ዋና ኤዲተር ስቴፈን ጄይ ኣድለር ኣብ መግለፂኡ “ኩመራ ካብ ኢትዮጵያ ብሚዛናዊ፣ ነፃን ብዘይውግንናን ኣገባብ ካብ ኢትዮጵያ ፀብፃብ ዘቕርብ ኣካል ጉጅለ እዩ። ስራሕቲ ኩመራ ሞያውን ዘይሻራውን ስለዝኾኑ ናይ መእሰሪኡ ምኽኒያት መሰረት የብሉን’’ኢሉ ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ናይ ኩመራ ማእሰርቲ ድሕሪ ሓፂር ተስፋ ኣብ እዋን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነፃነት ፕረስ ብቕልጡፍ ይሽርሸር ከምዘሎ ኣብነት እዩ ኢሉ ኣሎ።

ሲፒጀይ ነሓሰ1 ዓመታዊ ፀብፃቡ ኣብ ዘውፅአሉ ግዜ ምስ ስርሓቶም ብዝተኣሳሰረ ኣብኢትዮጵያ ብውሑዱ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ሎሚ ሶኑይ ገሊፁ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ኣብ ክልል ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምጅማሩ ዝተኣስሩ እዮም።

XS
SM
MD
LG