ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ ብዝተሓሓዝ 5 ሰባት ምቕታሉ ኣፍሊጡ


ድሕሪ ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ነታጒ መምህር እስልምና ሓዊሱ ንሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ሰሉስ ንዝተፈፀመ ርእሰ ቕትለታዊ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ምስ ዝወሰደ ጉጅለ ግብረሽበራ ርክብ ኣሎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሓደ መምህር እስልምና ሓዊሱ ንሓሙሽተ ሰባት ትማሊ ሓሙስ ቀቲሉ።ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ጥቓ ዶብ ኮንጎ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ተታዅሶም ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ሓምሻይ ሰብ ሙሓማድ ኪረቩ ዝተባህለ መምህር እስልምና ካብ ካምፓላ ወፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብዘጋጠመ ርፅም ከምዝተቐትለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፍሬድ ኢናንጋ ገሊፁ ኣሎ።ካልኣይ ተጠርጣሪ መምህር እስልምና እውን ይህደን ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG