ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኡጋንዳ ንዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ፖሊስ ብምቕዋም ንዝተኻየደ ተቓውሞ ጋዜጠኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ተገሊጹ


ፖሊስ ኡጋንዳ ንዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ፖሊስ’ታ ሃገር ብምቕዋም ሰልፊ ዘካየዱ ጋዜጠኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ተገሊጹ።

ኣስታት 50 ዝኾኑ ኡጋንዳዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ትማሊ ሶኑይ ብምትእክካብ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ብምጉዓዝ ጥርዓኖም ንሓላፊ ፖሊስ አረኪቦም ኣለው።

ጥርዓን እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት መጥቓዕቲ ብምፍጻሞም ተሓተቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ አባላት ፖሊስ ምርመራ ክካየድን መቕጻዕቲ ክወሃቦም ከምኡ’ውን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ዝካይዶ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ደው ከብሉ ዝጽውዕ’ዩ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማከረ ዩኒቨርሲቲ ወሰኽ ክፍሊት ብምቕዋም ንዝተኻየደ ሰልፊ ሸፈነ ዝሃቡ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት መጥቓዕቲ ፖሊስ ከምዘጋጠሞም ምግላጾም ይዝከር።

ፖሊስ ነቲ ትማሊ ሶኑይ ኣንጻር መጥቓዕቲ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ንምቕዋም ዝተኻየደ ሰልፊ ብቕልጡፍ ምብታኑን ንገለ ጋዜጠኛታት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተገሊጹ’ሎ።

ይኹን ደአ ኣምበር ገለ ጋዜጠኛታት ጥርዓኖም ከቕርቡ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኣትው ከምዝተፈቐደሎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣይሳክ ሰስመዳኪ ንጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዘሎ ጠበቓ’ዩ ኣብ እዋን እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ’ውን ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣተው ሓደ እዩ።

ንሱ ኣብ መንጎ ብፖሊስን ብመንግስቲን ኣብ ልዕሊ መሓውራት ዜና ዝውስደ ስጉምቲ ይጋደድ ምህላው ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ካምፓላ ኦንያንግ ፓትሪክ ናይቶም ጋዜጠኛታት ጥርዓን ንሓላፊ ፖሊስ ከምዝወሃብ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ፖሊስን ጋዜጠኛታትን ንሓድሕዶም ክከባበሩ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ኡጋንዳ ብወገኑ ፖሊስ ንጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ሰሚዑ መልሲ ክሳብ ዝህበሉ ንናይ ፖሊስ ምንቅስቃሳት ሸፈነ ከምዘይህቡ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG