ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ናይጀርያ ንጉዳይ ብኣባል ፖሊስ ዝተቐትለት ጠበቓ ምርመራ የካይድ ምህላው ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ፖሊስ ናይጀሪያ ስነስርዓት ልደት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሳቲፋ ምስ ወፀአት ብፖሊስ ዝተቐተለት ዘይተዓጠቐት ነፍሰ ፁር በዓልቲ ሞያ ሕጊ(ጠበቓ) ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊፁ።ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ሌጎስ እቲ ምርመራ ብቕልጡፍ ከምዝካየድ ቃል እንተኣተወ እውን ነቐፍቲ ግን ሰበስልጣን ናይጀሪያ ኣብ 2020 ተቓውሞ ዘልዓለ ጭካነ ፖሊስ ጠጠው ንምባል ዝኣክል ኣይሰርሑን ኣለው ይብሉ።

ፖሊስ ከተማ ሌጎስ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ቕትለት ብምኹናን ውፅኢት ናይቲ ምርመራ ክሳብ ዝፃረ ነቲ ፖሊስን ምስኡ ዝነበሩን ከምዝኣሰሮም ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ቤንጃሚን ሃንደይን እቲ ጉዳይ ብዕሙቀት ንምፅራይ ብገበናዊ ምርመራ ተታሒዙ ኣሎ ኢሉ።

ኦሞቦላንለ ራሂም ዝተባህለት እታ ግዳይ ስነስርዓት በዓል ልደት ወዲኣ ብናይ ስድርኣ በመኪና ክትምለስ ከላ እቲ ፖሊስ ኣብ መፈተሺ ኖቕጣ ቶኲሱ ከምዝቐተላ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ምኽኒያት ንፁር'ዃ እንተዘይኮነ እቶም ፖላስ መኪና ጠጠው እናበሉ ይፍትሹ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፖሊስ ብዘይድኣድልዎ መርሚሩ ንህዝቢ ከፍልጥ ኣለዎ ኢሉ ኣሎ።ብዙሓት ፍትሒ ዝረጋገፅ እንተኾይኑ ይፅበዩ ኣለው።

XS
SM
MD
LG