ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ናይጀርያ ብብዝሒ ኣብ ከተማ ኣቡጃ ምውፋሮም ተገሊጹ


ፖሊስ ናይጀርያ -ፋይል
ፖሊስ ናይጀርያ -ፋይል

ፖሊስ ናይጀሪያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታዊ ሓለዋን ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ ኖቕጣን መጥቓዕቲታት ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ኣቡጃ ሓለዋ ፀጥታ ኣሐይሎም ኣለው።

ብመሰረት ሓበሬታ መሓውራት ዜና በቲ 28 ሓምለ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ክልተ ወታሃደራት ሞይቶም ሓደ ድማ ቆሲሉ።እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ኣቡጃ ብዝለዓለ ተግባር ሽበራ ዝተፈረዶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ዝርከቡዎም ቤት ማእሰርቲ ክወፁ ዝገበረ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ እዩ ።

እዚ ሓያል ሓለዋ ጸጥታ ዝትግበር ዘሎ ድሕሪ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስ ናይጀሪያ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ መግለጺ ምሃቦምን ጉጅለ ምምሕዳር ሃገራዊ ጸጥታ ናይጀርያ ዘካየዶ ኣኼባን'ዩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ናይጀሪያ ሙዩዋ ኣደጆቢ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ፀጥታ ክዋፈሩ እዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ቁፅሪ ዝዋፈሩ ግን ኣይገለፀን።

ኣብ ኣቡጃ ዝመደብሩ ቤከን ሰኪሩቲ ኮንሳልቲንግ (Beacon Security Consulting) ዝተባህለ ትካል ምሕደራ ፀጥታን ሓደጋን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝሓበሮ ምስ ዝሓለፈ ዓመተ 2021 ክወዳደር ከሎ ኣብ መጀመሪያ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ህውከት ብ47 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG