ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ናብ መንበሪ ዳውድ ኢብሳ ብምእታው ንሓለውቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ


ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \ኦነግ\ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ሰይሮም ምእታዎምን ንናይ ሓለውቶም ዕጥቒ ብምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝኾኑ ዶክተር ሽጉጥ ገለታ ገሊፆም።

እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ዶክተር ሽጉጥ ኮኒኖምዎ።

እቲ ፍተሻ ክካየድ ከሎ ኣብቲ መንበሪ ገዛ ምስ ኣቶ ዳውድ ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ መናእሰይ ንሰለስቲኦም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎምን: ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ድማ ከምዘየርኣዩዎም ዶክተር ሽጉጥ ገሊፆም።

ዶክተር ሽጉጥ ገለታ ካብ 28 መጋቢት 2013 ዓ\ም ጀሚሩ ብመንግስቲ ይኹን ካብ ካልኦት ኣካላት ሕጊ ብወግዒ ዘይተገለፀ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝዝረብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ብመንግስቲ ዝተመደቡሎም ሓለውቲ ስለዝተልዓሉን ኣብ ቀረብኦም ኮይኖም ዝሕግዙዎም ዝነበሩ ድማ ብፖሊስ ስለዝተኣሰሩን ከምኡ'ውን ሰባት ካብ ወፃኢ ከይኣትው ስለዝተኸልከሉን ናይ ርክባት መስመራት ስለዝተበተኹ ህይወት ናይቶም ኣቦመንበር ኣብ ሓደ ወዲቑ ኣሎ ኢሎም ።

ካብ ፖሊስን ሰበስልጣንን ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ተኸታታሊ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG