ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሱዳን ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘምርሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ በቲኑ


ፖሊስ ሱዳን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘምርሑ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ከምዝበተኖም ተገሊጹ።

እቶም ሰልፈኛታት “ነጻነት” ን “ሰላም” ዝብል ጭርሖታት ብምስማዕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ፖሊስ መማህራን ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሰልፊ ከይሕወሱ ምዕጋቱን ንቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ምኽባቡን፡ ሸሞንተ ካብኣቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ናይ ዓይኑ መሰኻክር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።ግብረ መልሲ ፖሊስ’ታ ከተማ ክረኸብ ከምዘይኸአለ ሮይተርስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ግዝኣታትን እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየዱ ምጽንሖምን ሓይልታት ጸጥታ ሰልፍታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ምትዃሶምን ይፍለጥ።

መንግስቲ ንክልተ አባላት ሓይልታት ጸጥታ ሓዊሱ ቁጽሪ ዝሞቱ 19 ክብል ከሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 37 እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG