ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሱዳን ተቓውሞ ዘካየዱ ደገፍቲ ጸወታ ኩዕሶ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ይትኩሱ


ፖሊስ ሱዳን ትማሊ ሰንበት ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ወጺኦም ኣብ ጎደናታት ካርቱም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቃሙ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ኣብ ኡምድርማን ዝተባህለ ቦታ ብምትእክኻብ “ህዝቢ ምውዳቕ እዚ መንግስቲ ይጽውዕ”: “ነጻነት ነጻነት” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ብምውጻእ ሰልፊ አካይዶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሸተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሱዳን ናህሪ ዋጋታትን ሕጽረት ኣቕርቦትን ለውጢ ምምሕዳር ዝጠልብ ሰልፊ ከካይዱ ቐንዮም’ ዮም ።

ፖሊስ ነዚ ተቓውሞታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ኣብ ገለ እውን ጥይት ብምትኳስ 12 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ገለ ግዝኣታ’ታ ሃገር’ውን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ’ዚ ወርሒ አባላት ፓርላማ ኣብ ቅዋም ታ ሃገር ለውጢ ብምትእትታው ኣብ ናይ ስልጣን ዘመን ፕረዚደንት በሸር ኣብ 2020 ከብቕዕ ጻውዒት ምቕራቦም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG