ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሱዳን ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ተገሊጹ


ፖሊስ ሱዳን ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:40 0:00

ፖሊስ ሱዳን ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ተገሊጹ

ኣብ ሱዳን ክኻየድ ብዝጀመረ ወፍሪ ህዝባዊ ዘይምእዛዝ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ብዙሕ ምንቅስቃስ ከምዘይተራእየን ኣብ ኡምዱርማን ድማ ሓደ ወዲ 20 ዓመት ምሟቱን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፈኛታት ድሕሪ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገርን ተቓወምቲን ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከካይዱ ምጽውዖም ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሻምስ ኢል ዲን ካባሺ እቲ ቤት ምኽሪ ንጠለባት ተቓወምቲ ንምስማዕ፡ ድሕሪ’ቲ ግጭት ደው ንዝበለ ልዝብ ዳግማይ ንምጅማር ድልው ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።

ይኹን ደአ እምበር ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ግጭት ሓላፊ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣል ቡሕራን ምስ ሕብረት ተቓወምቲ ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ዝተባህለ ወድብ ዝተበጽሓ ስምምዕ ኩሉ ከምዝፈረሰን ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ክካየድ ምጽውዖም ይዝከር። ተቓወምቲ ግን ነዚ ውጥን ይነጽጉ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዋና ከተማ ካርቱም ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ምውጽኦምን ሓይልታት ጸጥታ ድማ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይቲ ናብ ላዕሊ ምትዃሶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ካልእ ወገን እታ ከተማ ግን ብዙሕ ምንቅስቃስ ከምዘይተራእየን ህዝባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ዝበዝሓ ደው ከምዝበለ፡ ናይ ውልቒ ትካላት፡ባንክታትን ኣብያተ ንግዲን ተዓጽዮም ምውዓሎም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG