ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሱዳን ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ተገሊጹ


ፖሊስ ሱዳን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ካርቱም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኾሰን ሰልፈኛታት ኮፍ ናይ ምባል አድማ ንምኽያድ ዘቐመጥዎ ዕንቕፋት ከምዘልዓሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

እዚ ዘጋጥም ዘሎ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ'ታ ሃገርን ልዝብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ጊዜ'ዩ።

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ጸቕጢ ንምግባር ሎሚ ሶኑይ ተቓውሞ ምክያዶምን: ናብ ኣል መክ ኒመር ድልድይ ዝወስድ መንገዲ ብምዕጻዎም ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ተፈሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ፖሊስን ፍሉይ ሓይልታት ፓርላማን ብሰልፈኛታት ዝተቐመጠ ዕንቕፋታት ብምልዓል ሰልፈኛታት ምብታኖም ይኹን ደአ እምበር ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዘይበጽሓ ገሊጾም ኣለው።

ነቲ ተቓውሞ ዝመርሕ ዘሎ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ምስ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተዋጽኣ ቤት ምኽሪ ልዝብ የካይድ ምህላው'ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG