ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሰኔጋል ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቓም ተቓወምቲ በቲኖም


ፖሊስ ሰኔጋል ንመዓቀኒ ተወዳደርቲ ፕረዚደንት ልዕል ምባሉ ተኸቲሉ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሞምን ንገለ ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ምእሳኦም ተሓቢሩ።

ሓደ ዓመት ቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰኔጋል መንግስቲ ህጹያት ተወዳደርቲ ናብቲ ምርጫ ንምእታው ዘድልዮም ቁጽሪ ፊርማ ክብ ምባሉ ይፍለጥ፥ ተቓወምቲ ወገናት ድማ ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንተቓወምቲ ንምድራትን ንምቁጽጻር ኢሉ ዘሕለፎ ውሳነ’ዩ ይብሉ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዳካር ዝተኻየደ ተቓውሞ መራሕቲ ክልተ ተቓወምቲ ፓርቲታት ምእሳሮም ተፈሊጡ’ሎ።

ተቓወምቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ እታ ሃገር ጎደናታት ብምዕጻው ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ፖሊስ ድማ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሙ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሴንት ሉዊስ: ቲስ ኣንድን ሜባካ ዝተባህለ ከባቢታት’ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተካይዱ ኔሩ።

ቀዳማይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ሰኔጋል የካቲት 24,2019 ክካየድ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሃገራዊ ባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ዝርከብ ኮይኑ ህጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሓደ ሚእታዊት ፊርማ ኮሚሽን ምርጫ ከተ አኻኽቡ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG