ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሓደ ጋዜጠኛ ሞይቱ


ሃይቲ  Feb. 23, 2022.
ሃይቲ  Feb. 23, 2022.

ፖሊስ ሃይቲ ወሰኽ መሃያ ብምሕታት ሰልፊ የካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተኩሲ ብምኽፋቱ ሓደ ጋዜጠኛ ምሟቱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርንን ሰበ ሰልጣን ሆስፒታል'ታ ሃገር ገሊጾም።

ኣቐዲሙ ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ዘጽደቆ ወሰኽ ንላዕሊ ክውሰኽ ንምሕታት ሰልፊ ዝተኻየደሉ ፖርት ፕሪንስ ብጥይት ተሃሪሞም ከም ዝቆሰሉ ተገሊጹ'ሎ።

ሃይቲ መበገሲ ዝተሓተ መሃያ ብ54% ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወሰኸት ድሕሪ ንሰሙናት ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር'ታ ሃገር ነቲ ቅትለት ጋዜጠኛ ኾኒኖም ንሰላማውያን ሰልፈኛታት ከም ዝከላኸልሎም ቃል ኣትዮም'ለዉ።​

XS
SM
MD
LG