ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፖለቲካን ስፖርትን ክተሓዋወስ ኣይብሉን” ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል


ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ዘራኽቡ ኣብ ስታድዮማት ትግራይ ዝካየዱ ፀወታታት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሓላፍነት ክወስድ እዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕደር ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ስፖርትን ፖለቲካን ዝሓዋውሱ ኣካላት ድማ ክኹነኑ ይግባእ ኢሎም።

“ፖለቲካን ስፖርትን ክተሓዋወስ ኣይብሉን” ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጉድለት ስፖርታዊ ጨዋነት ኣብ መንጎ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ይካየዱ ዝነበሩ ውድድራት ኣብ ገለልተኛ ሜዳ ይተኣናገድ ነይሩ።

በዚ ድማ ኣብ ንተፃወቲ፣ ጋንታታትን ደገፍትን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅቡቕ ስሚዒት ኣይፈጥርን ብምባል ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ክልቲአን ክልላት ብመሰረት ዝገበሮ ምርድዳእ፥ እተን ጋንታታት ኣብ ዓመተ 2011 ዝገብርኦ ፀወታታት ኣብ ነናይ ባዕለን ሜዳ ንክካየድ ተወሲኑ እዩ።

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ዘራኽብ ኣብ ስታድዮማት ትግራይ ዝካየዱ ውድድራት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሓላፍነት ከምዝወስድ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን"ምስ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገበረ ዘተ መንግስቲ ክልቲኦም ክልላት ሓላፍነት ከምዝወስዱ ብሚድያ ከፍልጡ ከምዘለዎ ብመሰረት ዝተገበረ ምርድዳእ እየ መግለፂ ዝህብ ዘለኹ" ኢሎም::

ትግራይ ሰላማን ምርግጋዓን ሓሊያ ተወልድቲ ካልኦት ብሄር እውን ተኸቢሮም ዝነብሩላ ኣብ ስራሕ ትርከብ ክልል እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ስፖርት ንበይኑ ዝፍጠር ምዝራግ ሰላም ኣይህሉን ኢሎም ።

“ፖለቲካን ስፖርትን ክተሓዋወስ ኣይብሉን” ዝበሉ ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን: ፖለቲካ ኣብ ናይ ባዕሉ መድረኽ ኣብ ጠሬጴዛ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እምበር ኣብ ሜዳ ስፖርት ክኣቱ ኣይግባእን ኢሎም።

ቀዲሙ ዝወፀ መርሃግብሪ ከምዘመላኽቶ ቐፃሊ ረቡዕ ኣብ ፀወታ ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ፋሲል ከነማ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ጋንታ ባህርዳር ድማ ምስ ጋንታ ስሑል ሽረ ኣብ ስታድዮም ባህር ዳር ክራኸባ እየን ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG