ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ሻምፕዮን ክሮኖሜትር ኤርትራ 2022 ኮይኑ


ሎሚ 24 ሰነ 2022 ኣብ መስመር ጸጸራት-ጻዕዳክርስትያን ብዝተካየደ ናይ ውልቂ ናይ ክሮኖ-ሜተር(ናይ ግዜ) ውድድር ኣብ ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፡ ቢንያም ግርማይ ፡ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ዘውዲ ቻምፕዮን ደፊኡ።

18 ኪ.ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ቅድድም ከኣ ፡ኣባል ጋንታ ደንደን ዳናይት ፍጹም ድርብ ዓወት ኣመዝጊባ።

በብደረጃ ዕድመኦም ዘውዲ ቻምፕዮን ክሮኖ-ሜተር ዝደፍኡ ዕዉታት፡ ዋንጫ፡ወርቂ መዳልያን ገንዘብን ፡ከምኡ’ውን ንሓደ ዓመት ኣብ ዝባኖም ወድዮም ዝወዳደሩላ ባንዴራ ኤርትራ ዘለዋ ጻዕዳ ናይ ቻምፕዮን ማልያ ተሸሊሞም።

እቲ ብተቐዳደምትን ኣፍቀርትን ብሽክለታ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ 170 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ፡ሰንበት 26 ሰነ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክካየድ’ዩ።ኣብ’ዚ ውድድር ከኣ ኣብ መንጎ ፕሮፌሽናላትን ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምትን ናይ “መን ተዓወተ" ዓቢ ህልኽን ተወዳዳርነት ክረኣየሉ ኣቐዲሙ ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG