ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ ንዝለዓለ ሽልማት በቒዖም


ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ
ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ

ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ኮንፈደረሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ንሕርሻን ሳይስን (GCHERA) ዝተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ትካል፡ ንፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለን ኣብ ገንት ዩኒቨርስቲ በልጅዩም ዝምህሩ ዝነበሩ ፕሮፈሰር ማርክ ቫን ሞንታጉን ዕዉታት ናይ ዓመተ 2021 ክብል ረቚሑ። ዕዉታት ብልጫኦም ን21 ሰነ ኣብ ቻይና ኣብ ዝጋባእን ብማንዛ ዝመሓላለፍን ስነ-ስርዓት ክቕበሉ’ዮም።

ነዚ ክብሪ ዝበቕዑ ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ ቀዳማይ ፕረዚደንት መቐለ ዩኒቨርስቲ ኰይኖም፡ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝሰርሑ’ዮም። ከም መግለጺ እቲ ትካል፡ ፕሮፈሰር ምትኩ፡ ንህዝቦም ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ብኣብነታዊ ኣመራርሓን ምኽሪን ብምሃብ ይቕጽሉ ምህላዎም ብፍሉይ ይጠቕሶም።

እዚ ንላዕለዎት ተመራመርቲ ኣብ መዳይ ሕርሻን ስነ-ፍልጠትን ምርምር ንኽገብሩ ዝሰርሕ ትካል፡ ኣብ 1998 ዝተመስረተ ኢዩ።

XS
SM
MD
LG