ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ምእታው ምጅማሩ ይሕብር


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ረቡዕ ብመገዲ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብጎንደር ኣቢሉ ናብ ክልል ትግራይ መግቢን ካልእ ወሰንቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምልኣኽ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ብመንገዲ ጎንደር ኣቢሉ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ ከባቢ ማይ-ጸብሪ ንዘለዉ ዜጋታት ኣብ ቀረባ መዓልታት ክባጻሕ’ዩ። መንገዲ ጎንደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ኣቢሉ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዕጹው ምጽናሑ ዘመልከተ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መግቢ፡ መድሃኒታትን ካልእ ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝጸዓና ቃፍላያት ብዅሉ ዝከኣል መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጠቐሶ፡ እተን ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ብዝሐን 15 ኰይነን፡ 300 ቶን መግቢን ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ዝሓዛ’የን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ንሱ’ውን ብናይ ትዊተር ወግዓዊ ገጹ ከም ዘመልከቶ፡ ናብ ሽረ ናይ ፈለማ ናይ ፈተነ በረራ ገይሩ ኣሎ። እቲ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋኑ ምዃኑ ዝተሓበረ ናይ በረራ ጕዕዞ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ክሰርሕ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ትማሊ፡ ናብ መቐለ ብዝኣተወ ናይ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል መድሃኒት’ዩ ጀሚሩ። ሎሚ ብመገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝበጻሕ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ካልኣይ እብረ ምዃኑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG