ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 94 ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ የምርሓ ምህላወን ኣፍሊጡ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም 94 ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ የምርሓ ምህላወን ኣፍሊጡ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን 165 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን እቲ ትካል ገሊፁ።

እተን ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኹ ዘረጋገፁ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ደበበ ዘውዴ ካብዚ ብተወሳኺ ብኣየር ዝለኣኽ ረድኤት እውን ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እምበር ናብ ትግራይ ይኣትው ዘሎ ረድኤት ብመንፅር እቲ ዝድለ ኣዚዩ ዝተሓተ ምዃኑን በዚ ምኽኒያት ድማ ሞትን ጥምየትን ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቡ ኣብ ቀረባ ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮም ይዝከር።

ምኽኒያት ዋሕዲ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኽ ረድኤት መራሕቲ ትግራይን ገለ ትካላት ረድኤትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ እንተገበሩ እውን መንግስቲ ግን ነቲ ኽሲ ኣይቕበሎን።

ርእይቶታት ንምርኣይ (1)

XS
SM
MD
LG