ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ፣ኬንያን ሶማልን ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ እዋናት ዝናብ ብዘይምህራሙ ኣብ ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት የንጸላልው ምህላው ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ወሲኹ እዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዝተሓተ መጠን ዝናብ ኣብ ዘለዎም ሶማል፣ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ንነዊሕ ግዜ ደርቂ ብምግጣሙ ምንቅስቓስ ሰባት ካብ ቦታ ቦታ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ ይብል።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ብውሑዱ ሸውዓተ ሚሊዮን እንስሳት ሃሊቀን ኣለዋ።
ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ሩባ ታና መራሒ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኑር በሽር መሓመድ "ደቅና ናይ መድራሳ ትምህርቶም ይከታተሉ ነይሮም።ብእንስሳት ዕዉታት ነይርና።ናብዚ ምስ መፃእና ግን ከብትና ክፃወራ ስለዘይክኣላ ጥዕንአን እናሓመቐ ከይዱ።ከቢድ ደርቂ ስለዘጋጠመና መብዛሕቲአን ሞይተን" ኢሉ።
ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ህፃናት(ዩኒሴፍ) ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ህፃናት ንሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ ተቓሊዖም ኣለው።
ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓላፊ ስደተኛታትን ስርሒት ረድኤትን ፌሊክስ ኦከች ለውጢ ኩነታት ኣየርን ፍሽለት ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብቲ ዞባ ደርቂ ክጋደድን ስግኣት ውሕስነት መግቢ ክፈጥረን ገይሩ ኣሎ ኢሉ።
ኦከች ወሲኹ ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዋጋ መግቢን ነዳዲን ፅልዋ ዘሕደረ ዞባውን ዓለምለኻውን ግጭታት ካልእ ብድሆ እዩ ይብል ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ሰባት ብድርቂ ተጠቒዖም ኣለው።