ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጽጹ እዋን ሓገዝ ስራሑ ደኣ ይጀምር እምበር:ብሰንኪ ስእነት ውሕስነት ጸጥታ ግን ናብቶም ቀንዲ ሓገዝ ዝደልዩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክበጽሕ ከም ዘይከኣለ ይገልጽ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ። ገለ ካብኡ በይናኣዊ ምእዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ፡እቲ ካልእ ድማ ቅልጣፈ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ምትሓዝ ርእሰ-ከተማ መቐለ’ዩ።
ኣወሃሃዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝኾኑ ቶሚ ቶምሶን፡ 35 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ መንጎ ተቐርቂሮም፣ ስራሓቶም ድማ ን48 ሰዓታት ደው ኢሉ ምጽናሑ ይገልጹ።
እንተኾነ ግን ይብሉ እቶም ኣወሃሃዲ ነገራት ብኣዝዩ ቅልጡፍ ገስጋስ ይስጕሙ ብምህላዎም ስራሓቶም ዳግም ጀሚሮምስ ናብ ልዕሊ 40-ሽሕ ዝበጽሑ ተጸበይቲ ናይ እኽሊ ሓገዝ ረድኤት መግቢ ምብጽሖም ይሕብሩ።
ንሶም ካብ መቐለ ብቴለፎን ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምኻኑ ጠቂሶም።ስራሕተኛታት እቲ ትካል ብናጻ ክንቀሳቐሱ ብዘይምኽኣሎምን ናብ ኵሉ ቦታታት ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ስለ ዘይብሎምን ንጥፈታቶም ብኸምቲ ዝደልዩዎ ፍጥነት ክኸይድ ከም ዘየክኣለ ኣረዲኦም።
ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ መስመራት ቴለፎንን ኤለክትሪክን ምቍራጹን ንግዳውን ሰብኣዊን በረራታት ጠጠው ምባሉን ገሊጾም።
“ዝመጸና ነዳዲ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ክንዝርግሖ ዝተመደበ ቀረባት መግቢ የለን ። ሕጂ በቲ ኣብ ኢድና ዝጸንሐ ጥራይ ኢና ንንቀሳቀስ ዘሎና። ባንክታት ተዓጽዮም ኣለዉ፣ ምናልባት እንተ ተኸፍቱ’ውን ገንዘብ የብሎምን። ስለዚ ድማ ንዝኾነ ስራሓት ክንከፍል ኣይንኽእልን ዘሎና፣ እዚ ከኣ ካልእ ጸገም’ዩ” ኢሎም።
ቶምሶን ወሲኾም ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ገንዘብን ካልእ መሳለጥያታትን ስራሓተን ደው ከብላ ይሓስባ ምህላወን:ትካሎም ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንዓበይቲ መካይን ንኽልተ ሰሙናት ዘንቀሳቕሰን ጥራይ ቀረብ ነዳዲ ከም ዘለዎም’ውን ኣይሓብኡን። ድሕሪኡ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ደው ክብሉ ከምዝግደዱ ገሊጾም።
ንምዕራብ ትግራይ ዘራኽብ ቍልፊ ድልድል ተከዘ ብሓሙስ ድሕሪ ምዕናዉ ነቲ ዝነበረ ጸገም መሊሱ ተጋዲዱ ኣሎ። ምስቲ ኵሉ ዘሎ ሽግራት ግን እቲ ኵነታት ምዕዳል ረድኤት ቀልጢፉ ከመሓየሽ በዓል ተስፋ ምዃኖም ቶምሶን ጠቒሶም: ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ በበይኖም ሓይልታት ክዘራረቡ ምምዳቦም’ውን ገሊጾም። እዚ’ዉን ብነፍርቲ ዝዕደል ሓገዝ’ውን ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም
“ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ኣብ ዝቅፅላ መዓልታት ክፍቀድ በዓል ምሉእ ተስፋ’የ። ንሱ እንተ ሰሊጡ፡ ንምንቅስቓስ ኣባላትናን ንሕጸረት ኣጋጢሙና ዘሎ ገንዘብን ክፈታሕ’ዩ።እዚ ዓብይ ሓገዝ’ዩ ”ኢሎም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንምብጻሕ ዓሊሙ ኣሎ። 350-ሽሕ ዜጋታት ካብዚኣቶም ኣብ ድርኩኺት ዓፀቦ ሓደጋ ዘለዉ’ዩም። ብመሰረት ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ነዚ ወጢኑዎ ዘሎ ዕላማ ንምብጻሕ፡ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ከምኡ’ውን ንህይወት-ኣድሕን ዝውዕል ኣስታትት 176 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካን የድልዮ። እዚ መጠን ገንዘብ’ዚ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክሳብ ዝውዳእ ምዃኑ’ዩ።