ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ብመጥቓዕቲ ድሮን ሓንቲ መኪና ምህራማን መራሒኣ ምቑሳሉን ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ድሮን ብዝተተኮሰ ስብርባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ንዝፀዓነት መኪና ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሃሪሙ ንመራሕ መኪና ምቑሳሉ ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ሎሚ ሰኑይ ገሊፁ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐፀለን ንኣሽሓት ቀቲሉ ንሚሊዮናት ኣብ ዘመዛበለን ግጭት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከወሃህድ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝስደዶ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ "ኣብ ጥቓ ወረዳ ዛና ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 25 መስከረም ንጉሆ ደብዳብ ድሮን ከምዝተፈፀመ ፀብፃብ በፂሑዎ ኣሎ’’ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ "ካብቲ ደብዳብ ዝተወርወረ ስብርባሪ ንኮንትራት ሰራሕተኛ'ቲ ትካል ኣቑሲሉ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ጽዕነት መኪና መጠናዊ ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ’’ ኢሉ ።

እታ ናይ ፅዕነት መኪና ኣብ ክልል ትግራይ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ መግቢ ተግዕዝ ከምዝነበረት ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ብምርግጋፅ ናይታ ዝተጎድአት መኪና ስእሊ ሂቦም ኣለው።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፣ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነትን ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩምን ርእይትኦም ክህቡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 13 ሚሊዮን ሰባት ‘’ረድኤት መግቢ ኣዚዩ የድልዮም ኣሎ’’ ይብል።

XS
SM
MD
LG