ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምግጣም ጻውዒት ኣቕሪቡ


13 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጥቀመሉ 470 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንክልገስ ተማሕጺኑ።

ብዝሒ እቶም ኣብ ሓደጋ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ወዲቆም ዘለው ሰባት ብ90 ሚእታዊት ከምዝናሃረን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ዘለው ህዝቢ ናብ 89 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ እቲ ዜና ይገልጽ።

ዳይረክተር ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ "ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ቅድሚ 19 ኣዋርሕ ዝተወለዐ ውግእ፣ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ተጸበይቲ ሓገዝ ከምዝኾኑ" ይሕብር።

እዚ ትካል ሕ/ሃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝቅጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን11 ሚልዮን ህዝቢ ክቅልብ ወጢኑ ኣሎ። ንምዕዋት’ዚ መደብ’ዚ ድማ 470 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG