ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ናብ ምቑራጽ ገጹ ይኸይድ ምህላው ኣጠንቂቑ


ምዕዳል መግቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ -ፋይል
ምዕዳል መግቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ -ፋይል

ብምኽንያት ኣብ መተሓላለፊ መስመራት ረድኤት ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኩናት መግብን ነዳድን ክሓልፍ ስለዘይክኣለ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ናብ ምቁራጽ ገጹ ክኸይድ ከም ዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኩናት ብምቕጻሉ ካብ ክፍላ ታሕሳስ ጀሚርና መኻይና መቐለ ክኣትዋ ኣይክኣላን ይብል።

እቲ ትካል መግብን ንቆልዑን ኣዴታትን ዝኸውን ሃናጺ መግብን ናብ ምጽንቃቕ ገጹ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ናይ መጨረሻ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝዕደል እኽሊን ዘይትን ዝመጽእ ሰሙን ክከፋፈል`ዩ ኢሉ'ሎ።

ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ክሓልፍ ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመር ክኸፍቱ እቲ ትካል ብምምሕጻን፡ ኣብ ዳሕራዋይ ዕደላ ረድኤት ትግራይ፡ 20 % ጥራሕ ክንበጽሕ ስለዝኸኣልና ኣብ ገምገም ሰብኣዊ ጥፍኣት ኢና ዘለና ኢሉ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 2.1 ሚልየን፡ ኣብ ኣምሓራ 650 ሽሕ፡ ኣብ ዓፋር ድማ 534 ሽሕ ሰባት ክምግብ መደብ`ኳ እንተለዎ ብሰንኪ ሕጽረት ምደባ ገንዘብ`ውን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ቀረባቱ ክጽንቀቕ ከምዝኽእል ኣሰሚዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG