ዋሽንግተን —
ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ጨንፈር ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ካብ ኮምቦልቻ ተበጊሰን ክልል ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ሓገዝ ምስዳዱ ብናይ ትዊተር መልእኽቱ ሓቢሩ። እተን እኽሊ፡ ዘይቲን ካልእ ቀረባት መግቢን ዝጸዓና መካይን፡ 300 ቶን ዝኸውን ሓገዝ ምግዓዘን እቲ ጽሑፍ የመልክት። ከም ሓበሬታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ ሓገዝ ኣብ ኣላማጣ ዝርከቡ ኣስታት 67-ሽሕ ዜጋታት ዝዕደል’ዩ። ብዅሉ መገድታት ተመሳሳሊ ሓገዝ ክውሕዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ “እቲ ተበጊሱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደንጕ ደኣ’ምበር ደስ ዘብል ዜና’ዩ” ክትብል ገሊጻ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ድማ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ዓብዩ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌታት ክዳረጎ ተማሕጺና።
ብተመሳሳሊ’ውን ኣመሓዳሪት ተራድኦ ዓለምለኸ ኣመሪካ (USAID) ዝዀነት ሳምንታ ፖወር፡ ኣብ ትዊተር ናይ ትዊተር ገጻ፡ “ኣብ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ስቓይ መዳርግቲ የብሉን፡” ኢላ። እቲ ጀሚሩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ከየቋረጸን ብዝሓየለ መገዱን ክቕጽል ድማ ጸዊዓ።