ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ምጅማሩ ሓቢሩ


ንግዳዊ በረራታት ነፈርቲ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተገተአሉ እዋን፣ ሕ/ሃ ዝመወሎን ናብ ድኻታት ሃገራት ዝላኣኽ ቀረባት ካብ ቤልጅየም ምግዓዝ ከምዝተጀመረ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ግብረ ሓይሊ ኮቪድ 19 ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ኣብ ውግእ ምቅላስ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘሕግዙ ሕክምናዊን ሰብኣዊን ንዋት ናብ ኣፍሪቃ ንምቅራብ ዘሎ ዕድል ይጸብብ ኣሎ’ ይብል።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ‘ኣገባብ ኣድማሳዊ ሎጂስቲካዊ ሓገዛትና ይውስኽ ኣሎ፣ እዚ ዝተጀመረ መስርሕ ድማ ናብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ንምብጻሕ እቲ ፈላማይ እዩ’ ይብል ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተኻረያ ቦይንግ 757 ዝዓይነታ ነፋሪት፣ 160 ኩንታል ማስክታትን ጓንትታትን ጽዒና ካብ ቤልጅየም ናብ ቡርኪናፋሶ፣ ጋናን ሪፐብሊክ ኮንጎን ትማሊ ሓሙስ ተበጊሳ።

37 ቦይንግ 757 ነፈርቲ ኣብ’ዘን ዝመጻ ሽዱሽተ ሰሙናት ልዕሊ 300 ሜትሪክ ቶን ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛትን ሕክምናን ካብ ቻይናን ማሌዥያን ናብ 130 ሃገራት ከብጽሓ እየን።

XS
SM
MD
LG