ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ዝጸዓና ኣርባዕተ መካይን መቐለን ምእታወን ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ረድኤት ዝጻዓና ኣርባዕተ መካይን ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ።

ካብ 25 ሕዳር ንደሓር ልዕሊ 150 ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ መቐለ ከምዝበጽሓ፣ ንጠለብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ንምምላእ ዕለታዊ ዋሕዚ መካይን ከምዝልእኽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሰንኪ ግጭትን ጸገም መተሓላለፊ ፈቃድን፣ ምእታው ረድኤት ዝጻዓና መካይን ናም መቐለ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተቋሪጹ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ንዘለው ክሳብ 100 ሽሕ ህዝቢ ፣ ክሳብ ዝቅጽል ክልተ ሰሙናት ንልዕሊ 450 ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከምዘርክበሎም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስራሕ፣ ብሰንኪ ስእነት ሰላም፣ ዕንቕፋት ኣብ ምትሕልላፍ መካይንን ነፈርትን ከምኡ'ውን ብሕጽረት ነዳዲን ገንዘብን ይተዓናቀፍ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ልዕሊ 67 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ክዙን እኽሊ ከምዘለዎ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እዚ መጠን እኽሊ’ዚ ን 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ንክልተ ወርሒ ዝቅልብ እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG