አዲስ አበባ —
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ዝውዕል 107 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል እቲ ፕሮግራም ስቴቨን ዎሬ ኦማዎ፣ "ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ንተሓገዝቲ ንክነርክበሎም፣ ገንዘብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።
ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝተዘርገሐ ሪፖርት ንህጻናት፣ ቆልዑት ዘጥቡባ አደታትን ሃናጺ መግቢ ንምዕዳል እቲ ገንዘብ ከምዘድልይ ተሓቢሩ'ሎ።
ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፣ ስቴቨን ዎሬ ኦማዎ፣ ንንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ "ኣብ ትግራይ 3 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ኮይኑ ኣሎ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ህዝቢ ንከሕግዝ ዘኽእሎ ገንዘብ እዩ፣ ህይወት ዘድሕን መግቢ፣ ሃናጺ መግቢን ንጉድኣት ዝተቃልዑ ንምሕጋዝን ከምዝኽእል’ውን" ገሊጾም ኣለው።