ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሕ/ሃን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንግዳያት ኲናት ቐዳማይ ዙር ሓገዝ ምብጽሖም ተገሊጹ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ግዳያት ንዝኾኑ ቀዳማይ ዙር ረዲኤት ምብፅሑ ኣፍሊጡ ። ናብ ክልል ትግራይ ግን ሎሚ'ውን ክበፅሕ ዘይምኽኣሉ ገሊፁ ።

ካብ 15 ነሓሰ,2021 ጀሚሩ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንልዕሊ 300,000 ዝኾኑ ህዝቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ሓገዝ መግቢ ምብፅሑ ኣብቲ ዝዘርገሖ መግለፂ ሓቢሩ ።

ንልዕሊ 210 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ሓገዛት ጥረምረ: እኽልን ዘይትን ዝዓደለ ኮይኑ እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ዝተመዛበሉን ንብረቶም ዓንዩ ንፀገም ዝተቓልዑን ይርከብዎም ። ከምኡ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዋግ ኽምራን ከባቢታት ሰሜን ወሎ ንዝርከቡ ልዕሊ 2,200 ሜትሪክ ቶን ረዲኤት መሻርኽቲ ኣካላት ምብፅሑ ዝሓበረ ኾይኑ ናብቶም ጎንፂ ዘለዎም ከባቢታት ግን ክበጽሕ ዘይምኽኣሉን ኩነታት ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ኣዝዩ ሕማቅ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት ።

ኣብ ክልል ዓፋር ን80 ሽሕ ዝኾኑ ግዳያት እቲ ኲናት ቀዳማይ ዙር ሓገዛት መግቢ ናብ ምዝዛሙ ምኳኑ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፤ እዚ ቁፅሪ ናብ 500,000 ክብ ክብል ከምዝክእል ፀብፃብ መንግስቲ ሓቢሩ ኢሉ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብን ከባቢታት ደቡብ ትግራይን ንዝርከቡ 2.4 ሚልየን ህዝቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ምብፅሑን ምስ ዘይመንግስታዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ምብፃሕ ረድኤት ሓዊሱ ን2.7 ሚልየን ክሕግዝ ምኽኣሉ ሓቢሩ ።ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስጋብ ሐጂ ህፁፅ ረዲኤት ካብ ዘድልዮም 71 ወረዳታት ዝበሎም ኣብ ወርሒ መስከረም 39 ጥራሕ ሓገዝ ክረኽቡ ምኽኣሎም ይገልጽ። ካብዚኦም 200,000 ህፃናትን ነፍሰፁርን መጥበውቲ ኣዴታትን ከምዝርከብዎም'ውን ይሕብር።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሕፀረት መግቢ ኣብ ከተማ ሽረ ዘይትን እኽልን ብዘይምህላዉ ንሓደ ሰብ 2 ኪሎ ግራም ጥረምረ ጥራሕ ክዕድል ምኽአሉ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልፅ ። ሳልሳይ ዙር ምብፃሕ ረዲኤት ግን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ብዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ስጋብ ሐጂ ክጅምር ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ።

ኣብ ቀረባ ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ክአቱ ምጅማሩዝገለፀ እቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይኩን እምባር 11% ጥራሕ እዩ ዛጊት ክባፃሕ ዝኸኣለ ይብል ። ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ልዑል ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎን ረዲኤት ንሓደ ሰሙን ንምብጻሕ 200,000 ሊትሮ ከምዘድልዮ ገሊፁ ።

ከም ሓበሬታ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምብራቅ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዱንፎርድ “ካብ ሰለስቲኡ ክልላት ዝተረኽቡ ሓበሬታት ከምዘርእዩዎ ሰባት መንበሪኦም ብምዕናዉ ዝፈጠሮ ምምዝባላትን ናህሪ ዋጋን ንዝኸፍአ ሕፅረት መግብ ይቓልዑ ኣለዉ“ ኢሎም ።

ንሶም ወሲኾም ዝበኣሰ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዛት ከባፅሕ ክተሓባበሩ ፀዊዑ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


ዕለታዊ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ

‘ዊጀት’ 35306 ፈሺሉ

ኣብዚኣ'ሞ

‘ዊጀት’ 35307 ፈሺሉ
XS
SM
MD
LG