ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑትን ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ዩክሬን ሕጊ ማርሻል ኣዊጁ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ዩክሬን ሕጊ ማርሻል ኣዊጁ። እተን ዶነስትክ:ሉሃንስክ:ከርሰን ከምኡ`ውን ዛፖሪዚያ ዝብሃላ ግዝኣታት ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ሩስያ ዘለዋ ግዝኣታት ዩክሬን`የን፡ ሽሕ`ኳ ሓይልታት ዩክሬን`ውን ብሸነኽ ምብራቕ ንገለ ዝተጎብጠ ቦታታት ምሕራሮም እንተቐጸሉ ፑቲን ምስ ቤት ምኽሪ ጸጥትኡ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብተን ኣርባዕተ ግዝኣታት እቲ ሕጊ ማርሻል ተፈጻሚ ክኸውን ብፊርምኡ ኣጽዲቑ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ:ብሪጣንያ ከምኡ`ውን ፈረንሳ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ምጥቃም ድሮናት ኢራን ብሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ክዝቲ ሓቲተን ኣለዋ።

ሩስያ ኣብቲ ኲናት ዩክሬን፡ ድሮናት ማለት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ትጥቀም ኣላ ዝብል ሓበረታ ይግለጽ`ዩ።

ሰበ-ስልጣን ዩክሬን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪይቭ ከይተረፈ ቦምባታት ዝፈንጀራ ድሮናት፡ 'ሻሂድ-136' ዝተባህላ ስርሓት ኢራን`የን ይብሉ። ኢራን ነተን ድሮናት ንሩስያ ኣይሃብኩን ክትብል ከላ፡ ሩስያ`ውን ናይ ኢራን ድሮናት ኣይተጠቐምኩን ክትብል ኣፍሊጣ`ላ።

XS
SM
MD
LG