ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ንክረምያን ሩስያን ዘራኽብ ድልድል ናይ ጽዕነት መኪና ብምዝዋር መሪቆም፡ ከፊቶም


ንሩስያን ክረምያን ዘራኽብ ናይ ሓዲድን ጽርግያን ድልድል ሎሚ ረቡዕ ተኸፊቱ።

ሩስያ ኣብ 2014 ዓ.ም ንክረምያ ካብ ዩክሬን ብምውሳድ ምስ ግዝኣታ ዝጠቕለለት ክትከውን ከላ እዚ ስጉምቲ ሩስያ ምስ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘቆልቆለን እገዳ ዘስዓበን ምኳኑ ይፍለጥ።

እዚ ብ3.60 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተሃንጸ ድልድል ኣብ ኣውሮጳ ንክልተ ዕላማ ዘገልግል ዝነውሓ ድልድል ምኳኑ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ድልድል ብወግዒ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2018 ስርሑ ዝጅመር እንተኾነ ምኽፋት’ቲ ድልድል ግን ብጠለብ ፕረዚደንት ፑቲን ንቅድሚት ተሳሒቡ ሎሚ ረቡዕ ተኻይዱ’ሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን ድማ ነዚ ሓድሽ ድልድል ናይ ጽዕነት መኪና ብምዝዋር መሪቖም ከፊቶሞ ኣለው።

ብዙሓት ነበርቲ ክረምያ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ክኾኑ ከለው እቲ ናይ ሓዲድ ክፋል’ቲ ድልድል ኣብ 2019 ዓ.ም ከምዝዛዘም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG