ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑቲን 'ስግኣት' ምዕራባዊን ንወረራ ሩስያ ምብጋሱ ገሊጾም


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተወሰደ ስጉምቲ ንፖሊሲ ምዕራባውያን ዝተዋህበ ግዱድ ምላሽ ጌሮም ገሊፆሞ’ለዉ።

ፕረዚደንት ፑትን ነዚ ዝተዛረቡ ኣብ ሞስኮ ንመበል 77-ዓመት ስዕረት ናዚ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ክብረ በዓል’ዩ።

ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ነዛ ዕለት ንምኽባር ወታሃደራዊ ሰልፊ: ድሩዓት ወታሃደራዊ መኻይንን ሚሳይላትን ንምርኢት ቀሪቡ ኔሩ።

ኣብዛ መዓልቲ ዓወት ፑትን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣንፃር ናዚ ዝተኻየደ ኹናት ምስቲ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝወሰድዎ ስጉምቲ አመሳሲሎሞ’ለዉ።

ሩስያ ነቲ ናይ ዩክሬን ወረራ ከም ስሪሒት ካብ ናይ ናዚ ኣተሓሳስባ ነፃ ንምግባር’ዩ ክብልዎ ኸለዉ ምዕራባውያን ኸኣ ዘይምኹኑይን መበገሲ ዘይብሉን ክብሉ ይገልፅዎ።

XS
SM
MD
LG