ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ዣን ፒንግን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኡዝቤክስታን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ክራኸቡ'ዮም ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ኣፍሊጦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ዝራኸቡ ኣብ ዋና ከተማ ኢዝቤክ ሳማርኤንድ መስከረም
15ን 16ን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ማሕበር ሻንጋይ ምዃኑ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ቻይና ኣንድረ ደኒሶቭ ንሪፖርተራት ገሊጾም።
እዚ ምብጻሕ መራሒ ቻይና ከምቲ ዝተባህለ እንተደኣ ኾይኑ እዚ እቶም መራሒ ቻይና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገብርዎ ፈላማይ ምብጻሕ ክኸውን እዩ። እቶም መራሒ ቻይና ቅድሚ ናብቲ ዋዕላ ኡዝቤክስታን ምኻዶም ንካዛኪስታን ንምብጻሕ'ዉን ውጥን ከምዘለዎም ዘይተረጋገጸ ጸብጻብ'ሎ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሓቱ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝብሎ የብለይን ክብሉ መሊሶም'ለዉ።
ፑቲንን ዣን ፒንግን ሩስያ ወታሃደራታ ናብ ዩክሬን ቅድሚ ምውፋራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም ኔሮም እዮም።