ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ዑደት ንምፍጻም ናብ ኣውሮጳ ኣቕኒዖም ኣለው


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ምዕራብ ንክራኸብ ሎሚ ረቡዕ ናብ ኤውሮጳ ኣቕኒዑ'ሎ-። ፕረዚደንት ባይደን ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጹ እዚ ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻኦም ዩ።

ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ምስ ናይ ሩስያ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን'ውን ክራኸብ መደብ ኣለዎ።

ነፋሪት ክስቀል ከሎ ንሪፖርተራት ዝተዛረበ ባይደን፥ ዕላማ ጉዕዝኡ ምስ መሻርኽቲ ምሕዝነት ምድልዳልን ንሩስያን ቻይናን ምሕዝነት ኣመሪካን ኤውሮጳን ጥቡቕ ምዃኑ ንምርኣይን'ዩ ኢሉ።

ከምኡ'ውን ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣመሪካ ዝሓዘቶ ስትራተጂ ወግዓዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ'ሎ።

ባይደን ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ዝካየድ ዋዕላ ጉጅለ ሸውዓተ ክሳተፍ'ዩ።

XS
SM
MD
LG